እንቋዕ ናብ ቤተ-ምኽሪ ሰላም ዘርአ ብደሓን መጻእኩም
ሰላም ዘርአ MBACP
ውህደታውን ሰብኣውን ኣማኻሪት

ሎሚ ስለምንታይ ኣብዚ ከም ዘመጻእኩም ብዘየገድስ፡ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም።

ኣብ በዳሂ እዋን ህይወትኩም ደገፍ ትደልዩ ትዀኑ። ልዕሊዓቕምኹም ዝስምዓኩም ይኹን፡ ብጭንቀት ወይ ሻቕሎትትሳቐዩ፡ ብኣጸጋሚ ጉዳያት ዝምድና ትጓዓዙ ትህልዉ፡ ወይድማ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምን ክትድህስስ ውሑስ ቦታጥራይ ተናድዩ እንተኾንኩም፡ በይንኹም ኣይኮንኩምን። ዕላማይ ንኣኹም ዝበቕዕን ዘድልን መምርሕን ርድኢትንክትረኽብሉ እትኽእል ጥጡሕ ሃዋህው ምፍጣር እዩ።

ምዝግብቲ ኣባል ማሕበር ምኽርን ሳየኮተራፒን (BASP) ብሪጣንያ እየ። እቲ ንኣይ ዝለዓለ አገዳስነት ዘለዎ ብስነ-ምግባር ምስራሕን ስቱር ደገፍ ንኽትረኽብሉ እትኽእሉባይታ ምቕራብን እዩ። ብብድሆታት ህይወት ክትጓዓዙ እትኽእልሉን፡ ብዝሓሸ መንገዲ ህይወትኩም እትኣልይሉዘድልየኩም ደገፍን ሜላታትን ከዕጥቐኩምን እየ።

ብሓባር ምስራሕ

______

ንዓይ፡ እቲ ዝበለጸ ውጽኢታዊ ምኽሪ ዝፍጸም ዓማዊልምሉእ ውሕስነትን ደገፍን ከምኡውን ብጽሞና ዝስምዕሉባይታን ከም ዝረኸቡ ክዓግቡ እንከለዉ እዩ። ምሳኹምብሓባር ብምዃን፡ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምንክትድህስስሉ እትኽእሉ ካብ ፈራዲ-ትዕዝብቲ ናጻ ዝኹነሃዋህው ክንፈጥር ኢና። ካብ ኵሉ ባህላዊ ድሕረ ባይታንዝመጹ፡ ዕድሚኦም 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑውልቀሰባት ምኽሪ እህብን ንዝተፈላለዩ ብድሆታትንምፍታሕ ድማ እሕግዝ።
  • ጸቕጢ
    ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ስምዒታት ክትእልዩን ዳግማይክትቆጻጸሩዎን ምሕጋዝ።
  • ሻቕሎት
    ናይ ሓደገ ጭንቀትን ፍርሒን ንምቅናስ
  • ንዝምድና ዝምልከቱ ጉዳያት፤
    ዳህሳስ ግርጭታትን ዝበለጸ ዝምድናታት ምምስራትን።
  • ስምባደ/ማህሰይቲ፤
    ካብ ዝጸጓነፉ ስንባደ/ማህሰይቲ ዝመልኦም ተመኩሮታት ምሕዋይ።
  • ዓመጽ ፤
    ደገፍ ካብ ስምዒታዊ ወይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ንምንጋፍ።
  • ርእሰ-ምትእምማን፤
    ምህናጽ እወታዊ ርእሰ-ምስልን ርእሰ-ተኣማንነትን ።
  • ቁጠዐ፤
    ንቁጠዐ ብሃናጺ መንገዲ ምእላይ
  • ቅዛነት፤
    አተኣላልያ ጓሂን ምዕባይ ተጻዋርነትን።
  • ቅልውላው መንነት፤
    በዛዕባ ገዛእ ርእስኹም ዘለኩም ርእይቶ/ስምዒት ምድህሳስን ምርዳእን።
  • ምስ ስራሕ ዝምልከቱ ጉዳያት፤
    ኣልያ ጸቕጥን ግርጭትን ኣብ ስራሕ ።
  • ምልውዋጥ ከይዲ ህይወት
    ምስ ርኡይ ናይ ህይወት ለውጢ ምትዕጽጻፍ
  • ዓሌታዊ ማህሰይቲ፤
    ናይ ቀሊል ብሕታት ተጽዕነት ኣብ ጥዕናኻ ንምቅናስ
  • ስድራቤታዊ ጸገማት፤
    ርክብ ንምምሕያሽን ምስ ስድራቤት ዝፍጠሩ ግርጭታት ንምፍታሕን ኣድላዪ ሓገዝ ምሃብ
  • ውሽጣዊ ነቐፌታዊ፤
    ዓማዊል ኣብ ምእላይ ነብሰ ነቐፌታን ምድጋፈን ኣብ ምህናጽ ርእሰ-ሓልዮትን ምድጋፍ።
  • ባህሊ፤
    ምስ ባህላዊ መንነትን ተመኩሮን ዝተኣሳሰሩ ብድሆታት ምፍታሕ
  • ሓዘንን ሞትን፤
    ሓዘን ንምጽዋር ዘኽእሉ ስምዒታዊ-ኣገባብን መምርሒን ምሃብ
ብተወሳኺ ኣገባብ ፍወሳ-ብጸወታን ምስ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ መንእሰያት ኣባጽሕ ምስራሕን ፤ ምስቶም ናይ ባህሪ ብድሆታት ዘለዎምውን ከይተረፈ፤ ተመኩሮ ኣሎኒ።

ን30 ደቓይቕ ዝኸውን ነጻ ምኽሪ እህብ፣ ናይ ምኽሪ ክፍለ ግዜታት ድማ ገጽ-ንገጽ፣ ብኢንተርነት፣ ወይ ብተሌፎንእህብ።

ገለ ቃላት ብዛዕባይ

______

ስመይ ሰላም ዘርእ እበሃል፣ ውልቀሰባት ዝያዳ ሚዛናውን ዕግበት ዘለዎን ህይወት ንኽረኽቡ ንምሕጋዝ ዓሚቝተወፋይነት ዘለኒ ምዝግብቲ (በዓልቲ ሊቸንሳ) ውህደታውን ሰብኣውን ኣማኻሪት እየ። ናተይ ኣገባብ ፍወሳ ካብሳይኮዳይናሚክ፣ ሰብኣዊን ሲቢቲን ፍወሳታት ዝመጹ ባእታታት ዘወሃህድ እዩ። ኣባል ማሕበር ምኽርን ስነ-ኣእምሮኣዊፍወሳን እንግሊዝ (BACP) እየ፣ ምምዝጋበይ ድማ ልዑል ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ከም ዝኽተል የረጋግጽ።


እንግሊዝኛ፣ ኣማሓርኛን ትግርኛን ኣከላጢፈ ይዛረብ፣ እዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ዓማዊል ክድግፍ የኽእለኒ። መሰረታዊእምነተይ ንስስኹም ክኢላ ናይ ታሪኽ ህይወትኩም ኢኹምዝብል እዩ፤ ኣነ ኣብዚ ዘለኹ ድማ ኣብ ጉዕዞኩም ለውጢሓይሊ ንክድርኽ እየ። ዝያዳ ሕጉስ ህይወት ንምድላይ ትብዓት ይሓትት፣ ኣነ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትወስድዎ ስጉምቲክድግፈኩም እየ ኣብዚ ዘለኹ።

ርኸቡና

____

ርኸቡና

____


ተወሳኺ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ሓጺር መልእኽቲ ክትሰዱለይ ትኽእሉ ኢኹም።
ቁጽሪ ተሌፎን +447904785746
ኢመይል፤ selamcounselling@gmail.com
ፐርሊ
ለንደን
ዓባይ ብሪጣንያ
Made on
Tilda